Ti

اَلنِّيَّةُ | Intentions

اَللَّهُمَّ إِنِّي نَوَيْتُ بِالصَّلَوٰةِ عَلَى النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ امْتِثَالاً لِّأَمْرِكَ وَتَصْدِيقًا لِنَبِيِّكَ مُحَمَّدٍ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ وَمَحَبَّةً فِيهِ وَشَوْقًا إِلَيْهِ وَتَعْظِيمًا لِّقَدْرِهِ وَلِكَوْنِهِ أَهْلاً لِّذَلِكَ
ኦ አላህ፡ ትእዛዝካ ንምፍጻምን ንነብይካ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ) ንምእማንን፡ ብፍቕሮምን ሃንቀውታኦምን፡ ንኽብሮም ንምዕባይን እዚ ድማ ዝግብኦም ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ነብይ ሶላትን ሰላምን ንምውራድ ነይተ ኣለኹ።
فَتَقَبَّلْهَا مِنِّي بِفَضْلِكَ وَإِحْسَانِكَ وَأَزِلْ حِجَابَ الْغَفْلَةِ عَنْ قَلْبِي وَاجْعَلْنِي مِنْ عِبَادِكَ الصَّالِحِينَ.
ብሳላ ጸጋኻን ሕያውነትካን ካባይ ተቐበለኒ፡ ካብ ልበይ ድማ ናይ ሸለልትነት መጋረጃ ኣልግሰለይ፡ ካብቶም ጻድቃን ባሮትካ ድማ ግበረኒ።
اَللَّهُمَّ زِدْهُ شَرَفًا عَلَىٰ شَرَفِهِ الَّذِيٓ أَوْلَيْتَهُ. وَعِزًّا عَلَىٰ عِزِّهِ الَّذِيٓ أَعْطَيْتَهُ.
ኦ አላህ፡ ኣብቲ ዝዓደልካዮም ክብሪ ተወሳኺ ክብሪ ወስኸሎም፡ ኣብቲ ዝሃብካዮም ልዕልና ድማ ተወሳኺ ልዕልና ሃቦም።
وَنُورًا عَلَىٰ نُورِهِ الَّذِي مِنْهُ خَلَقْتَهُ وَأَعْلِ مَقَامَهُ فِي مَقَامَاتِ الْمُرْسَلِينَ. وَدَرَجَتَهُ فِي دَرَجَاتِ النَّبِيئِينَ.
ኣብቲ ንዓኦም ዝፈጠርካሉ ብርሃን ተወሳኺ ብርሃን ወስኸሎም፡ መዓርጎም ኣብ መዓርጋት ልኡኻት፡ ደረጃኦም ድማ ኣብ ደረጃታት ነብያት ክብ ኣብሎ።
وَأَسْئَلُكَ رِضَاكَ وَرِضَاهُ يَا رَبَّ الْعَالَمِينَ. مَعَ الْعَافِيَةِ الدَّآئِمَةِ وَالْمَوْتِ عَلَى الْكِتَابِ وَالسُّنَّةِ وَالْجَمَاعَةِ وَكَلِمَتَيِ الشَّهَادَةِ عَلَىٰ تَحْقِيقِهَا مِنْ غَيْرِ تَبْدِيلٍ وَّلَا تَغْيِيرٍ.
ኦ ጐይታ ዓለማት፡ ምስ ቀጻሊ ጥዕናን ኣብ መጽሓፍ (ቁርኣን)፡ ሱና፡ ጀማዓን ሓቀኛ ቃል ምስክርነትን ብዘይ ለውጢ ሙማትን፡ ውርዝየካን ውርዝየኦምን እልምነካ ኣለኹ።
وَاغْفِرْ لِي مَا ارْتَكَبْتُهُ بِفَضْلِكَ وَجُودِكَ وَكَرَمِكَ يَآ أَكْرَمَ الْأَكْرَمِينَ.
ኦ ካብ ኩሎም ለጋሳት ዝበለጽካ ለጋስ፡ ነቲ ዝፈጸምክዎ በደል ብሳላ ጸጋኻ፡ ልግስኻን ሕያውነትካን ሕደገለይ።
وَصَلَّى اللَّهُ عَلَىٰ سَيِّدِنَا مُحَمَّدٍ خَاتَمِ النَّبِيِّينَ وَإِمَامِ الْمُرْسَلِينَ. وَعَلَىٰٓ ءَالِهِ وَصَحْبِهِ أَجْمَعِينَ. وَسَلَامٌ عَلَى الْمُرْسَلِينَ. وَالْحَمْدُ لِلَّهِ رَبِّ الْعَالَمِينَ.
አላህ ኣብ ልዕሊ መደምደምታ ነብያትን መራሒ ልኡኻትን ጐይታና መሓመድን፡ ኣብ ስድራቤቶምን ኩሎም ብጾቶምን ሶላትን ሰላምን የውርድ፡ ሰላም ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ይኹን፡ ምስጋና ድማ ንአላህ ጐይታ ዓለማት ይኹን።