قُلْتُ لَمَّا غَابَ عَنِّي
በልኩ፡ ካባይ ምስ ተሰወረ
Ti
Ti
قُلْتُ لَمَّا غَابَ عَنِّي
نُورُ مَرَاكَ الْمَصُون
ካባይ ምስ ተሰወረ በልኩ
እቲ ዝተሓለወ ብርሃን መልክዕኺ
شَفَّنِي وَاللَّهِ سُقْمٌ
فِيهِ قَدْ ذُقْتُ الْمَنُونَ
ብኣላህ እምሕል፡ ዘቃጸለ ሕማም ተሰሚዑኒ
ኣብኡ ድማ ንሞት ባዕሉ ቀሚሰዮ
وَعُيُونِي مِنْ نَحِيبٍ
جَارِيَاتٌ كَالْعُيُون
ኣዒንተይ ካብ መሪር ብኽያት ዝተላዕለ
ከም ዝውሕዙ ዔላታት ይውሕዛ
وَجُفُونِي مَا كَفَاهَا
مَا جَرَى حَتَّى جَفُون
ሽፋናት ኣዒንተይ በቲ ዝፈሰሰ ንብዓት ኣይዓገቡን
ክሳብ ባዕላቶም ዝነጽፉ
هَامَ قَلْبِي زَادَ وَجْدِي
فَمَتَى وَصْلَكْ يَكُونُ
ልበይ ብፍቕሪ ይንከራተት ናፍቆተይ ድማ ይውስኽ
መዓስ ኮን ይኸውን ምርኻብና?
غَابَ عَنْ عَيْنِي ضِيَاهَا
يَا قَمَرَ دَارِي الْعُيُون
ብርሃን ካብ ኣዒንተይ ጠፊኡ
ኦ ጽብቕቲ ወርሒ፡ ነዘን ኣዒንቲ ኣጸናንዕየን