مَلَكَنِي هَوَاكُمْ عَذَّبَنِي
ፍቕርኹም መሊኹኒ ኣሳቕዩኒ።
Ti
Ti
الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ يَـا مَـوْلَانَـا
لَا بُـدَّ مِـن فَـنَـاء الْـمُـلْـكُ يَـبْـقَـى لِـلَّـه
አላህ አላህ አላህ አላህ ኦ ጐይታና
ጥፍኣት ዘይተርፍ እዩ፡ ንግስነት ንኣላህ ጥራይ ይተርፍ
مَـلَـكَـنِـي هَـوَاكُـمْ عَـذَّبَـنِـي
وَزَادَنِـي شَـوْقًا وَ قَـلَـقَا
ፍቕርኹም ወኒኑኒ ኣሳቕዩኒ
ናፍቆተይን ህውከት ልበይን ድማ ወሲኹ
الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ يَـا مَـوْلَانَـا
لَا بُـدَّ مِـن فَـنَـاء الْـمُـلْـكُ يَـبْـقَـى لِـلَّـه
አላህ አላህ አላህ አላህ ኦ ጐይታና
ጥፍኣት ዘይተርፍ እዩ፡ ንግስነት ንኣላህ ጥራይ ይተርፍ
الْـنَّـوَى وَالْـبَـيْـنُ أَقْـلَـقَـنِـي
وَغَـشِـيَ الْـقَـلْـبُ وَ إِحْـتَـرَقَ
ርሕቀትን ምርሕሓቕን ኣጨኒቑኒ
ልበይ ተሸፊኑ ብሓዊ ድማ ነዲዱ
الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ يَـا مَـوْلَانَـا
لَا بُـدَّ مِـن فَـنَـاء الْـمُـلْـكُ يَـبْـقَـى لِـلَّـه
አላህ አላህ አላህ አላህ ኦ ጐይታና
ጥፍኣት ዘይተርፍ እዩ፡ ንግስነት ንኣላህ ጥራይ ይተርፍ
بِـثَـوْبِ رِضَـاكُـمْ كَـفِّـنُـونِـي
بِـبَـابِ حِمَاكُمْ أَلْـحِـدُونِـي
ብኽዳን ዕግበትኩም ከፍኑኒ
ኣብ ኣፍደገ ቤትኩም ድማ ቅበሩኒ
الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ الـلَّـهْ يَـا مَـوْلَانَـا
لَا بُـدَّ مِـن فَـنَـاء الْـمُـلْـكُ يَـبْـقَـى لِـلَّـه
አላህ አላህ አላህ አላህ ኦ ጐይታና
ጥፍኣት ዘይተርፍ እዩ፡ ንግስነት ንኣላህ ጥራይ ይተርፍ
وَاكْـتُـبُـوا عَـلَى قَـبْـرِي وَرَقَـةْ
هَـذَا مُـحِـبٌّ قَـدِ احْـتَـرَقْ
ኣብ ልዕሊ መቓብረይ ወረቐት ጽሓፉ
"እዚ ብናፍቆት ዝነደደ ኣፍቃሪ እዩ"