صَفَتِ النَّظْرَهْ
እቲ ምርኣይ ነጸረ
Ti
Ti
صَفَتِ النَّظْرَهْ طَابَتِ الْحَضْرَةْ
جَاءَتِ الْبُشْرَى لِأَهْل اللهِ
ራእይ ጸረየ ሓድራ ድማ ጣዕመ
ነቶም ናይ አላህ ሰባት ብስራት መጸ
قَامُوْا سُكَارَى لِذِي الْبِشَارَه
جَعْلَوْا عِمَارَهْ شُكْراً لِلّهِ
ነቲ ብስራት ከም ሰኽራን ተንስኡ
ንአላህ ብምምስጋን ዓማራ ገበሩ
أَيُّهَا الْحَاضِرْ اُذْكُرْ وَذَاكِرْ
إِيَّاكَ تُنْكِرْ حَالَ أَهْلِ اللهِ
ኦ ኣብዚ ዘለኻ ዘክርን ኣዘኻኽርን
ኩነታት ሰብ አላህ ካብ ምንጻግ ተጠንቀቕ
فَسَلِّمْ لَهُمْ فِيمَا عَرَاهُمْ
وَاعْلَمْ أَنَّهُمْ غَابُوْا فِي اللهِ
ኣብቲ ዝመጾም ኩነታት እጅግ ሃቦም
ንሳቶም ኣብ አላህ ከም ዝጠለቁ ፍለጥ
فَالْوَجْدُ بِهِمْ دَاعِيْ يَدْعِيْهِمْ
يَطْرَأْ عَلَيْهِمْ فِيْ ذِكْرِ اللهِ
ወጅዲ ንዓታቶም ዝጽውዕ ጻውዒት እዩ
ኣብ ዝክር አላህ ከለዉ ዝመጾም እዩ
وَمَنْ لَمْ يَجِدْ فَلْيَتَوَاجَدْ
قَصْداً يَتَعَرَّضْ لِفَضْلِ اللهِ
ወጅዲ ዘይረኸበ ሰብ ክረክብ ይጽዓር
ኰነ ኢሉ ንጸጋ አላህ ገዛእ ርእሱ የቃልዕ
هَكَذَا قَالُوْا وَلِذَا مَالَوْا
وَلَقَدْ غَالُوْا فِي ذِكْرِ اللهِ
ከምዚ በሉ ስለዚ ድማ ደነኑ
ኣብ ዝክር አላህ ድማ ተወፈዩ
حَتَّى قَدْ ظَنَّا مَنْ لَيْسَ مِنَّا
أَنَّا جُنِنَّا بِذِكْرِاللهِ
ካባና ዘይኮኑ ሰባት ክሳብ ዝመስሎም
ብዝክር አላህ ዝተጸለልና ኮይኑ
هَنِيْئاً لَنَا ثُمَّ بُشْرَانَا
إِنْ كَانَ لَنَا حُمْقٌ فِي اللهِ
ዮሃና ንዓና ብስራት ድማ ንዓና
እቲ "ዕብዳንና" ኣብ አላህ እንተኾይኑ