أَلْفٍ صَلَّى الله عَلَى زَيْنِ الْوُجُودْ
ሽሕ ሰላዋት ኣላህ ኣብ ልዕሊ ጽባቐ ህላወ ይኹን።
Ti
أَلْفٍ صَلَّى الله عَلَى زَيْنِ الْوُجُودْ
مَنْ سَكَنْ طَيْبَة وَخَيَّمْ في زَرُودْ
ሽሕ ሰላዋት አላህ ኣብ ልዕሊ እቲ ጽባቐ ህላዌ ይኹን
ነቲ ኣብ ጣይባ ዝሰፈረን ኣብ ዘሩድ ድንኳኑ ዝተከለን
يَا بُدُورَ الْحَيِّ يَا رَبْعَ الْكِرَامْ
بَلِّغُو ظَبْيَ الْحِمَى مِنِّي السَّلَامْ
ኦ ምሉእ ወርሒ ናይቲ ሰፈር፡ ኦ መበቆል ክቡራት
ነቲ ናይቲ ቅዱስ ቦታ ሜዳ ነጻል ሰላምታይ ኣብጽሑለይ
إِنْ تَهَتَكْنَا عَلَيْكُمْ لَا نُلَامْ
غَلَبَ الْوَجْدُ عَلَيْنَا وَ الْغَرَامْ
ምእንታኹም ምስጢርና እንተ ተቐልዐ ኣይንውቀስን ኢና
ሓያል ሃንቀውታን ፍቅርን ስዒሩና እዩ
لَا يَنَامُ اللَّيْلَ عَاشِقْ مُسْتَهَامْ
إِنَّمَا النَّومُ عَلَى الْعَاشِقْ حَرَامْ
ብፍቕሪ ዝተሃወኸ መፍቀሪ ለይቲ ኣይድቅስን እዩ
ድቃስ ንመፍቀሪ ፍጹም ክልኩል እዩ
سَادَتِي إِنْ لَمْ تَحِنُّو بِاللِّقَا
مِتُّ وَجْدًا فَلَكُمْ طُولُ الْبَقَاء
ጎይተተይ፡ ብርክብ እንተዘይተራህሪህኩምለይ
ብናፍቆት ክመውት እየ፡ ንዓኹም ግና ነዊሕ ህላዌ ይኹን
أَنَا إِنْ لَمْ أَهْوَا غِزْلَانَ النَّقَاء
أَيُّ فَرْقٍ بَيْنَ قَلْبِي وَ الْجَمَادْ
ኣነ ነቶም ናይ ኣል-ናቃ ሜዳ ነጻላት እንተዘየፍቂረ
ኣብ መንጎ ልበይን ኣብ መንጎ ግዑዝ እምንን እንታይ ፍልልይ ኣሎ?
آنَسَ اللهُ بِكُمْ أَوْقَاتَنَا
وَسَقَى وَادِيكُمُ فَيْضَ الْغَمَامْ
አላህ ብኣኹም ግዜያትና የሐጉሰልና
ንለሰኹም ድማ በቲ ኣዝዩ ዝፈስስ ደበና የስትዮ