مَا لِلنِّيَاقِ إِذَا حَدَا جَمَّالُهَا
እንታይ ኮይነን እተን ኣግማል ገማሊአን ምስ ዚዝምርለን፧
Ti
مَا لِلنِّيَاقِ إِذَا حَدَا جَمَّالُهَا
تَدَعُ الْعَنَاءَ وَلَا تَمَلُّ مَلَالَهَا
እንታይ ኮይነን እተን ኣግማል መራሒአን ምስ ዝደርፈለን
ድኻመን ይሓድጋ መገዲ’ውን ኣይስልክዋን
وَتَرَىٰ لَهَا فِي السَّيْرِ جِدًّا وَاضِحًا
شَوْقًا تَمُدُّ يَمِينَهَا وَشِمَالَهَا
ኣብ ኣካይዳአን ግሁድ ጻዕሪ ትርእየለን
ብናፍቆት የማነን ጸጋመን ይዝርግሓ
وَتَبَاشَرَتْ لَمَّا أَتَتْ بَدْرًا رَأَتْ
نُورَ النَّبِيِّ الْهَاشِمِيِّ بَدَا لَهَا
በድር ምስ በጽሓ ተበሻሸራ
ናይቲ ሃሺማዊ ነቢይ ብርሃን ስለ ዝተራእየን
غَنِّ لَهَا يَا سَعْدُ بِاسْمِ مُحَمَّدٍ
فَلَعَلَّهَا تُصْغِي لِمَنْ غَنَّىٰ لَهَا
ኦ ሰዕድ ብስም ሙሓመድ ደርፈላን
ምናልባት ነቲ ዝደርፈለን ጽን ኢለን ክሰምዓኦ