مَنْ مِثْلُ أحمد
ማን ከመ ኣሕመድ?
Ti
Ti
اللهْ اللهُ اللهْ اللهُ
اللهْ اللهُ تَبَارَكَ اللهُ
አላህ አላህ፡ አላህ አላህ
አላህ አላህ፡ ረቢ ቡሩኽ እዩ!
مَنْ مِثْلُ أَحْمَدَ فِي الكَوْنَيْنِ نَهْوَاهُ
بَدْرٌ جَمِيعُ الوَرَى فِي حُسْنِهِ تَاهُوا
አብ ክልቲኦም ዓለማት ከም ኣሕመድ እነፍቅሮ መን ኣሎ?
ኩሉ ፍጥረት ብጽባቐኡ ዝተደነቐሉ ሙሉእ ወርሒ እዩ
مَن مِثْلُهُ وَ إِلَهُ الْعَرْشِ شَرَّفَهُ
بِالْخَلْقِ وَ الْخُلْقِ إِنَّ اللَّهَ أَعْطَاهُ
ወናኒ ዓቢ ዓርሺ ዘኽበሮስ ከምኡ መን ኣሎ?
ብተፈጥሮን ብስነ-ምግባርን ብሓቂ ኣላህ ሂብዎ እዩ
وَالشَّمْسُ تَخْجَلُ مِنْ أَنْوَارِ طَلْعَتِهِ
حَارَتْ عُقُولُ الْوَرَى فِي فَهْمِ مَعْنَاهُ
ጸሓይ ካብ ብርሃን ምብራቑ ትሓፍር
ኣእምሮ ሰባት ትርጉም ማንነቱ ንምርዳእ ተደናጊሮም
تَبَارَكَ اللَّهُ مَا أَحْلَى شَمَائِلَهُ
حَازَ الْجَمَالَ فَمَا أَبْهَى مُحَيَّاهُ
ረቢ ይባረኽ፡ ባህርያቱ ክንደይ ዝበለጸ እዩ
ጽባቐ ተጎናጺፉ፡ ገጹ ክንደይ የብርህ
يَا عُرْبَ وَادِي النَّقَى يَا أَهْلَ كَاظِمَةٍ
فِي حَيِّكُمْ قَمَرٌ فِي الْقَلْبِ مَثْوَاهُ
ኦ ዓረብ ዋዲ ኣል-ኑቃ፡ ኦ ሰብ ካዚማ
አብ ሰፈርኩም ኣብ ልቢ ዝሰፈረ ወርሒ ኣሎ
صَلَّى عَلَيْهِ إِلَهُ الْعَرْشِ مَا طَلَعَتْ
شَمْسٌ وَ مَا حَدْحَدَ الْحَادِي مَطَايَاهُ
ጸሓይ ክሳብ ዝበረቐት፡ ወናኒ ዓርሺ ሰላም የውርደሉ
ጸሓይ ኮነ መራሒ ምስ መገዱ ዝመጣጠን የለን
اللهُ بِالْمَدْحِ لِلْمُخْتارِ مَنَّ عَلَيّْ
عَسَى يُرى لِيَ بَيْنَ المَادِحِيْنَ حَلَي
አላህ ንሕሩይ ብምምስጋን ውዕለት ገይሩለይ
ምናልባት አብ መንጎ መሳገንቱ ስመይ ክርአ
إِذَا أَتَيْتُ لِأَقْرَا الصُّحْفَ مِنْ عَمَلِيْ
مَالِي سِوَى مَنْ لَهُ فَضْلٌ يُشِيْرُ إِلَىّ
መዝገብ ግብረይ ንምንባብ ምስ መጻእኩ
ብዘይካ እቲ ብጸግኡ ዝሕግዘኒ ካልእ የብለይን
مُحَمَّدٌ سَيِّدُ الكَوْنَيْنِ وَالثَّقَلَيْـنِ
وَالفَرِيقَيْنِ مِنْ عُرْبٍ وَمِنْ عَجَمِ
መሓመድ ጎይታ ክልቲኡ ዓለማትን ደቂ ሰብን ጂንን እዩ
ካብ ዓረብን ካብ ካልኦትን ድማ ጎይታ ክልቲኦም ወገናት እዩ
هُوَ الحَبِيبُ الذِّي تُرْجَى شَفَاعَتُهُ
لِكُلِّ هَوْلٍ مِنَ الأَهْوَالِ مُقْتَحَمِ
ንሱ እቲ ንኩሉ ዘሰንብድ መከራታት
አማላድነቱ ዝተስፈወ ፍቁር እዩ
نَبِيُّنَا الآمِرُ النَّاهِي فَلاَ أَحَدٌ
أَبَرَّ فِي قَوْلِ لاَ مِنْهُ وَلاَ نَعَمِ
ነቢይና ኣዛዝን ከልካሊን እዩ፡ ካብኡ ንላዕሊ
ብቃሉ "ኣይፋል" ወይ "እወ" ዝጸንዐ የለን
كَالزَّهْرِ فِي تَرَفٍ وَالبَدْرِ فِي شَرَفٍ
وَالبَحْرِ فِي كَرَمٍ وَالدَّهْرِ فِي هِمَمِ
ብልምላሜ ከም ዕምባባ፡ ብኽብሪ ድማ ከም ወርሒ
ብልግሲ ከም ባሕሪ፡ ብትብዓት ከም ግዜ እዩ
يِا رَبِّ بِالمُصْطَفَى بَلِّغْ مَقَاصِدَنَا
وَاغْفِرْ لَنَا مَا مَضَى يَا وَاسِعَ الكَرَمِ
ኦ ረቢ ብሕሩይ ጌርካ ዕላማና ኣብጽሓልና
ኦ ልጋስ! ዝሓለፈ ጌጋታትና ድማ ይቕረ በለልና
وَاغْفِرْ إِلَهِي لِكُلِ المُسْلِمِينَ بِمَا
يَتْلُونَ فِي المَسْجِدِ الأَقْصَى وَفِي الحَرَمِ
ኦ ጎይታይ! ነቶም ኣብ መስጊድ አል-አቅሳን ኣብ ሓራምን
ንዘንብቡ ኩሎም ሙስሊማት ይቕረ በለሎም
بِجَاهِ مَنْ بَيْتُهُ فِي طَيْبَةٍ حَرَمٌ
وَإسْمُهُ قَسَمٌ مِنْ أَعْظَمِ الْقَسَمِ
በቲ ኣብ ጣይባ ቤቱ ቅዱስ ዝኾነ
ስሙ ድማ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ማሕላ ብዝኾነ ክብርኡ