قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
ብርህቲ ምልእቲ ወርሒ ወጺኣ
Ti
قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
بِمَوْلِدِ الْهَـادِي الْبَشِيـرْ
ብርሃን ዝህብ ምልእቲ ወርሒ በርኒቓ
ብልደት እቲ መራሕን ኣብሳርን
أَهْلاً وَسَهْلاً بِالْإِمَامْ
الْمُصْطَفَى بَـدْرِ الْتَّمَـامْ
እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ኦ መራሒ
እቲ ሕሩይን ፍጹም ምልእቲ ወርሕን
شَفِيعِنَا يَوْمَ الْزِّحَـامْ
أَرْسَلَـهُ الْـرَّبُّ الْقَدِيـرْ
ኣብታ መዓልቲ ጽቕጥቅጥ አማላዲና
እቲ ኩሉ ዝኽእል ጎይታ ዝለኣኾ
قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
بِمَوْلِدِ الْهَـادِي الْبَشِيـرْ
ብርሃን ዝህብ ምልእቲ ወርሒ በርኒቓ
ብልደት እቲ መራሕን ኣብሳርን
بُشْرَى لَنَا نِلْنَا الْمَرَامْ
بِطَـهَ مُعْتَلِـى الْمَقَـامْ
ብስራት ንዓና ትምኒትና ረኺብና
ብጣሃ እቲ ልዑል መዓርግ ዘለዎ
شَرَّفَـهُ رَبُّ الْأَنَـامْ
فَلَـمْ يَكُـنْ لَـهُ نَظِيـرْ
ጎይታ ኩሉ ፍጡር ኣኽቢርዎ
ንዕኡ ዝመስል መዘና የብሉን
قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
بِمَوْلِدِ الْهَـادِي الْبَشِيـرْ
ብርሃን ዝህብ ምልእቲ ወርሒ በርኒቓ
ብልደት እቲ መራሕን ኣብሳርን
يَا ذَا الْجَلَالِ يَا مُجِيبْ
عَبْدٌ دَعَـاك لَا يَخِيـبْ
ኦ ብዓል ግርማን መለስ ጸሎትን
ዝጸውዓካ ባርያ ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ
بِحُرْمَةِ الْنَّبِيِّ الْحَبِيبْ
يَسِّرْ لَنَا الْأَمْـرَ الْعَسِيـرْ
ብኽብሪ እቲ ፍቁር ነቢይ
ኩሉ ከቢድ ነገር ኣቃልለልና
قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
بِمَوْلِدِ الْهَـادِي الْبَشِيـرْ
ብርሃን ዝህብ ምልእቲ ወርሒ በርኒቓ
ብልደት እቲ መራሕን ኣብሳርን
أَدْعُوكَ يَا رَبَّ الْأَنَامْ
أَمِتْنَا عَلَى حُسْنِ الْخِتَـامْ
እጽውዓካ ኣለኹ ኦ ጎይታ ኩሉ ፍጡር
ብሰናይ መዛዘሚ ኣሙተና
وَأَسْكِنَـا فِي دَارَ الْسَّلَامْ
لِبَاسُنَـا فِيهَـا حَرِيرْ
ኣብታ ናይ ሰላም ዓዲ ኣስፍረና
ኣብኣ ክዳንና ሃሪር ክኸውን እዩ
قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
بِمَوْلِدِ الْهَـادِي الْبَشِيـرْ
ብርሃን ዝህብ ምልእቲ ወርሒ በርኒቓ
ብልደት እቲ መራሕን ኣብሳርን
أَجِبْ دُعَانَا يَا أَحَدْ
وَاسْمَعْ نِدَانَا يَا صَمَدْ
ጸሎተይ መልሰለይ ኦ ሓደ ዝኾንካ
ጻውዒተይ ስማዕ ኦ እቲ ኩሉ ዝምርኮሰካ
يَا دَائِماً عَلَى الْأَبَـدْ
أَنْـتَ الْمُهَيْمِـنُ الْخَبِيـرْ
ኦ ንዘለኣለም ነባሪ ዝኾንካ
ንስኻ ተቖጻጻርን ኩሉ እትፈልጥን ኢኻ
قَدْ أَشْرَقَ الْبَدْرُ الْمُنِيرْ
بِمَوْلِدِ الْهَـادِي الْبَشِيـرْ
ብርሃን ዝህብ ምልእቲ ወርሒ በርኒቓ
ብልደት እቲ መራሕን ኣብሳርን
أَهْدِي الْتَّحِيَّةْ وَالْسَّلَامْ
لِلْمُجْتَبَـى خَيْرِ الْأَنَـامْ
ሰላምታን ውዳሰን አቕርብ ኣለኹ
ነቲ ሕሩይን ብሉጽ ኩሉ ፍጡርን
والْآلِ وَالْصَّحْبِ الْكِرَامْ
مَا أَمْطَرَ الْمَطْرُ الْغَزِيرْ
ነቶም ክቡራት ስድራቤቱን ብጾቱን
ሓያል ዝናብ ክሳብ ዝዘንብ