خُذْ مَا صَفَا وَدَعِ الْكَدَر
ነቲ ዝጸረየ ውሰድ፡ ነቲ ዝተደፍረሰ ድማ ሕደግ።
Ti
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
خُذْ مَا صَفَا وَدَعِ الْكَدَرْ
وَكِلِ الْأُمُورَ إلى الْقَدَرْ
ነቲ ዝጸረየ ውሰድ ነቲ ዝተሓላለኸ ድማ ሕደጎ
ንኹሉ ጉዳያትካ ድማ ናብ መለኮታዊ ውሳነ ኣረክቦ
مَهْمَا غُلِبْتَ كَمَا أَمَرْ
هَادِي الْوَرَى خَيْرُ الْبَشَرْ
ዝኾነ እንተ ተሳዓርካ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ግበር
መሪሕ ፍጡራት እቲ ዝበለጸ ወዲ ሰብ
إِنَّ الْأُمُورَ جَرَى بِهَا
قَلَمٌ عَلَى الْلَّوْحِ الْأَغَرْ
ኹሉ ጉዳያት ብሓቂ ተወሲኑ እዩ
ብብርዒ ኣብቲ ብሩህ ሰሌዳ
فِي سَابِقِ الْعِلْمِ الْقَدِيمْ
مِنْ قَبْلِ إِيجَادِ الْصُّوَرْ
ኣብቲ ጥንታዊ ናይ ቀደም ፍልጠት
ቅድሚ ምፍጣር ኩሉ ቅርጽታት
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
وَدَعِ الْهُمُومَ فَإِنَّهَا
يَا صَاحِبِي مَحْضُ الْضَّرَرْ
ንጭንቀትካ ኣወግዶ ምኽንያቱ ንሱ
ኦ መሓዛይ ንጹህ ጉድኣት ጥራይ እዩ
وَاغْنَمْ زَمَانَكَ وَاسْتَرِحْ
مِنْ لَوْ وَلِمْ تَلْقَ الْظَّفَرْ
ግዜኻ ተጠቐመሉ እሞ ዕረፍቲ ድለ
ካብ "እንተ"ን "ስለምንታይ"ን፡ ዓወት ድማ ክትረክብ ኢኻ
وَارْجِعْ إِلَى اللَّهِ إِذَا
مَالَحَّ خَطْبٌ أَوْ عَصَرْ
ናብ ኣላህ ድማ ተመለስ ኣብ ዝኾነ ግዜ
ጸገም ወይ ጸቕጢ ኣብ ዘጋጥመካ
وَإِذَا بُلِيتَ بِمِحْنَةٍ
فَاصْبِرْ لَهَا فِيمَنْ صَبَرْ
ብፈተና እንተ ተፈቲንካ
ምስቶም ተዓገስቲ ኴንካ ተዓገስ
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
مِنْ كُلِّ بَرٍّ مُوقِنٍ
مُتَوَقِّرٍ عِنْدَ الْغِيَرْ
ካብ ኩለን እተን ርግጸኛታትን ጻድቃንን ነፍሳት ኩን
ኣብ ለውጢ ግዜ ርእሰ-ምቁጽጻር ዘለወን
وَإِذَا خُصِصْتَ بِنِعْمَةٍ
فَاشْكُرْ مَعَ مَنْ قَدْ شَكَرْ
ብጸጋ እንተ ተባሪኽካ
ምስቶም ዘመስገኑ ኴንካ ኣመስግን
لِلَّهِ رَبِّ الْعَالَمِينْ
تُعْطَ الْمَزِيدَ كَمَا ذَكَرْ
ንኣላህ ጐይታ ዓለማት
ከምቲ ዝበሎ ወሰኽ ክውሃበካ እዩ
وَاعْمَلْ لِنَفْسِكَ صَالِحًا
تَنْجُو بِهِ مِنْ كُلِّ شَرْ
ንነፍስኻ ጽቡቕ ተግባር ግበር
ካብ ኩሉ ክፉእ ምእንቲ ክትድሕን
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
وَتَفُوزُ بِالْحُسْنَى وَبِالْــــ
ــــجَنَّاتِ دَارِ الْمُسْتَقَرْ
በቲ ዝለዓለ ሰናይን ድማ ክትዕወት ኢኻ
በቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ገነታት
دَارِ الْبَقَا دَارِ الْنَّعِيمْ
دَارِ الْكَرَامَةِ وَالْنَّظَرْ
ናይ ዘለኣለም ቤት፡ ናይ ኒዕማ ቤት
ናይ ክብረትን ናይ ምርኣይን ቤት
وَأَعِدَّ زَادَكَ لِلْمَعَادْ
مِنْ قَبْلِ يَفْجَاكَ الْحَذَرْ
ስንቅኻ ንምምላስ ኣዳልው
እቲ ዘይተርፍ ብሃንደበት ቅድሚ ምምጽኡ
فَالْمَوْتُ آتٍ عَنْ قَرِيبْ
وَلَعَلَّ يَوْمَكَ قَدْ حَضَرْ
ሞትስ ቀሪባ እያ እትመጽእ
ምናልባት እቲ ቆጸራኻ ሕጂ በጺሑ ይኸውን
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
يَا رَبُّ أَنْتَ الْمُبْتَغَى
وَالْمُرْتَجَى وَالْمُدَّخَرْ
ኦ ጐይታ ንስኻ ኢኻ እቲ ዝድለ
ተስፋ ዝግበረሉን ክቡር መዝገብን
يَا رَبَّنَا فَاسْتُرْ وَسَا
مِحْ أَنْتَ أَكْرَمُ مَنْ سَتَرْ
ኦ ጐይታና ንጌጋታትና ኸውሎ እሞ ይቕረ በል
ንስኻ ካብ ኩሎም ኸወልቲ ዝበለጽካ ለጋስ ኢኻ
يَا رَبَّنَا وَانْظُرْ إِلَيـْــــ
ـــنَا أَنْتَ أَحْسَنُ مَنْ نَظَرْ
ኦ ጐይታና ብራሕሚ ርኣየና
ንስኻ ካብ ኩሎም ተመልከትቲ ዝበለጽካ ኢኻ
يَا رَبَّنَا وَاخْتِمْ لَنَا
بِالْخَيْرِ إِنْ حَانَ الْسَّفَرْ
ኦ ጐይታና ጽቡቕ መወዳእታ ዓድለና
ግዜ ናይ መወዳእታ ጉዕዞና ምስ መጸ
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
ثُمَّ الصَّلَاةُ عَلَى الرَّسُولْ
خَيْرِ الْبَرِيَّةِ مِنْ مُضَرْ
ድሕሪኡ ሰላዋት ኣብ ልዕሊ እቲ ልኡኽ ይኹን
እቲ ብሉጽ ፍጡር ካብ ዓሌት ሙዳር
خَتْمِ الْنَّبِيِّينَ الْكِرَامْ
نِعْمَ الْمَصَابِيحُ الْغُرَرْ
መደምደምታ ናይቶም ክቡራት ነብያት
እቲ ዝበለጸ ብሩህ መብራህቲ
وَآلِهِ وَاصْحَابِهِ
وَالتَّابِعِينَ عَلَى الْأَثَرْ
ኣብ ስድራቤቱን ብጾቱን
ከምኡ እውን ኣብቶም ኣሰሮም ዝሰዓቡ
مَا هَبَّتِ الـــنَّسَمَاتُ بِالْــــ
ــــعَرْفِ الْمُعَنْبَرِ في الْسَّحَرْ
ማዕበል ንፋስ ብመዓዛ ዓንበር
ኣብ እዋን ወጋሕታ ክሳዕ ዝነፍስ
يَا رَبَّنَا يَا رَبَّنَا
غِثْنَا بِقُرْبِ الـْمُصْطَفَى
ኦ ጐይታና ኦ ጐይታና
ብቕርበት እቲ ሙስጦፋ ርድኣና
وَ ارْحَمْ إِلَهِي ضَعْفَنَا
بِٱلْمُصْطَفَىٰ خَيْرِ ٱلْبَشَرْ
ንመከራና እውን ኦ ኣምላኸይ ራሕርሓሉ
ብሙስጦፋ እቲ ዝበለጸ ፍጡር ሰብ
أَوْ غَرَّدَتْ وُرْقُ الْحِمَى
فَوْقَ الْغُصُونِ مِنَ الْشَّجَرْ
ወይ ድማ ናይ ሓረም ርግቢታት ክሳዕ ዝዝምራ
ኣብ ልዕሊ ጨናፍር ናይቲ ኣእዋም