يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጐይታ! ብኣታቶምን ብኣቦሓጎኦምን፡ ዓወትን ፈረጅን ኣቀልጥፈ።
Ti
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
عَجِّلْ بِالْسَّعْيِ لِنَحْوِهِمِ
تَلْقَ الْرِّضْوَانَ وَتَبْتَهِجِ
ናብኣቶም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣቐልጥፍ
ዕግበት ረኺብካ ድማ ክትሕጎስ ኢኻ
هُمْ أَهْلُ الْبَيْتِ أَئِمَّتُنَا
فِي الْخُلْدِ لَهُمْ أَعْلَى الْدَّرَجِ
ንሳቶም ኣህል-በይት መራሕትና እዮም
ኣብ ዘለኣለማዊነት ዝለዓለ መዓርግ ኣለዎም
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
سَلِّمْ تَسْلَمْ وَانْظُرْ عَجَبًا
تِلْكَ الْأَنْوَارُ مِنَ الْفَرَجِ
ተኣዘዝ እሞ ክትድሕን ኢኻ፡ ተኣምር ድማ ርአ
እቲ ካብ እፎይታ ዝወጽእ ዘሎ ብርሃናት
وَاشْرَبْ وَاطْرَبْ وَانْشَقْ عَطِرًا
قَدْ فَاقَ شَذَاهُ عَلَى الْأَرَجِ
ስተ፡ ተሓጎስ፡ መዓዛ ድማ ኣሽትት
ሽትኡ ካብ ኩሉ ቅብኣታት ዝበለጸ
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
قَوْمٌ سَادُوا فِي الْخُلْدِ عَلَى
أَهْلِ الْجَنَّاتِ أُولِي الْسُّرُجِ
ኣብ ዘለኣለማዊነት ዝነገሱ ህዝቢ እዮም
ኣብ ልዕሊ ሰብ ጀነታት፡ ሰብ መብራህቲ
وَلَهُمْ جَاهٌ وَبِجَدِّهِمُ
يَنْجُو مَنْ زَارَ فَذَاكَ نُجِي
ልዑል ክብሪ ኣለዎም፡ ብሳላ ቦቆጾም ድማ
ዝበጽሖም ይድሕን፡ ከምኡውን ይናገፍ
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
أَبْشِرْ إِنْ جِئْتَ لِدَارِهِمُ
قَدْ فُزْتَ سَرِيعًا بِالْفَرَجِ
ናብ ቤቶም እንተመጺኻ ተሓጎስ
ቀልጢፍካ እፎይታ ረኺብካ ኢኻ እሞ
سَادُوا الْأَقْطَابَ لَهُمْ شَرَفٌ
يُضْوِي كَالْشَّمْسِ لَدَى الْمُهَجِ
ንኣቅጣብ በሊጾም፡ ክብሪ ኣለዎም
ኣብ ውሽጢ ነፍሳት ከም ጸሓይ ዘብርህ
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
اِذْهَبْ بِالْلَّيْلِ لِرَوْضَتِهِمْ
أَقْدِمْ أَسْرِعْ بِالْحُبِّ وَجِي
ብለይቲ ናብ ገነቶም ኪድ
ብፍቕሪ ተቐዳዲምካ ቅረብ እሞ ብጻሕ
أَخْلِصْ لِلهِ بِزَوْرَتِهِمْ
أَخْلِصْ فِي الْسَّيْرِ بِلَا عِوَجِ
ኣብ ምብጻሖም ንኣላህ ኢልካ እሙን ኩን
ብዘይ ቄናን መንገዲ ኣብ ጉዕዞኻ ቅኑዕ ኩን
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
رَاقِبْ لِلْنَّفْسِ وَشَهْوَتِهَا
إِيَّاكَ تُصَاحِبُ لِلْهَمَجِ
ንነፍስኻን ትምኒታን ተዓዘብ
ምስቶም ድኹማት ሰባት ካብ ምሕባር ተጠንቀቕ
اِعْرِفْ قَدْرَ الْأَحْبَابِ وَكُنْ
عِنْدَ الْأَحْبَابِ أُولِي الْدَّرَجِ
ክብሪ ፍቁራት ፍለጥ እሞ ኩን
ምስቶም ልዑል መዓርግ ዘለዎም ፍቁራት
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
وَاسْمَعْ مِنْهُمْ مَا تَسْمَعُهُ
إِنْ كُنْتَ سَمِيعًا وَابْتَهِجِ
ካብኣቶም እትሰምዖ ስማዕ
ጽን ኢልካ እትሰምዕ እንተድኣ ኴንካ፡ ተሓጎስ
فَهُنَاكَ لِرُوحِكَ أَسْرَارٌ
تَخْفَى الْأَسْرَارُ عَلَى السَّمِجِ
ኣብኡ ንመንፈስካ ምስጢራት ኣለዉ
ካብቶም ዘይተራቐቁ ዝተሓብኡ ምስጢራት
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
وَلِأَهْلِ الْحُبِّ مُعَتَّقَةً
كَأْسُ الْأَسْرَارِ بِلَا وَهَجِ
ንሰብ ፍቕሪ ጥንታዊት ወይኒ ኣላቶም
ብዘይ ሃሩር ዝሰተ ጽዋእ ምስጢራት
فَاشْرَبْ مَا دُمْتَ مُحِبَّهُمُ
كَأْسًا تَنْهَاكَ عَنِ الْعِوَجِ
ስለዚ ኣፍቃሪኦም ክሳብ ዝዀንካ ስተ
ካብ ቄናን መንገዲ ዝዓግተካ ጽዋእ
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
لا تَسْمَعْ قَوْلَ مُكَدِّرِهَا
أَعْدَى الأَعْدَاءِ الْمُعْتَلِجِ
وَاسْمَعْ أَقْوَالَ مُحِبِّهِمِ
كَالْشَّهْدِ بِهِ أَقْوَى الْحُجَجِ
ቃላት መፍቀሪኦም ድማ ስማዕ
ከም መዓር ዝጥዕም ብርቱዕ መርትዖታት ዘለዎ
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
وَدَعِ الْإِنْكَارَ لِمُنْكِرِهِ
عَبْدٌ مَحْرُومٌ فِي لُجَجِ
ንኽሕደት ንኸሓዲ ግደፎ
ኣብ መዓሙቕ ግርጭት ዘሎ ግዙእ ተሓራሚ
لَوْ شَاهَدَ نُورَ أَحِبَّتِنَا
مَا أَنْكَرَ إِنْكَارَ الْلَّجَجِ
ብርሃን ፍቁራትና እንተዝርኢ ነይሩ
ከምዚ ብድርቅና ኣይምኸሓደን
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
مَا قَالَ مَقَالَةَ ذِي جَهْلٍ
مَا قَالَ مَقَالَةَ ذِي عِوَجٍ
ከም ሰብ ድንቁርና ኣይምተዛረበን
ወይ ከም ሰብ ቄናን መንገዲ
وَصَلَاةُ اللهِ تَحِيَّتُهُ
لِلْهَادِي الْنَّاسَ إِلَى الْنَّهَجِ
ሰላትን ሰላምን ናይ ኣላህ ይውረድ
ነቲ ንሰባት ናብ ቅኑዕ መንገዲ ዝመርሕ
يَا رَبِّ بِهِمْ وَبِجَدِّهِمِ
عَجِّلْ بِالْنَّصْرِ وَبِالْفَرَجِ
ኦ ጎይታይ ብኣታቶምን ብቦቆጾምን
ዓወትናን መለኮታዊ እፎይታን ኣቐልጥፈሉ
وَالْآلِ جَمِيعًا سَادَتِنَا
أَهْلِ الْتَّوْفِيقِ إِلَى الْبَلَجِ
ኣብ ኩሎም እቶም ቤተሰብን ጐይቶትናን
ሰብ ተውፊቕ ናብ ወጋሕታ
مَا (صَالِحُ) يَتْلُو أَمْدَاحًا
تَضْوِي لَيْلًا مِثْلَ الْسُّرُجِ
ሳልሕ ውዳሴታት ክሳብ ዘንብብ
ከም መብራህቲ ኮይኑ ብለይቲ ዘብርህ