أَنَا مَالِي فِيَّاشْ
ኣነ እንታይ ኣለኒ?
Ti
اللَّهُمَّ صَلِّ عَلَى الْمُصْطَفَى
حَبِيبِنَا مُحَمَّد عَلَيْهِ السَّلَام
ኦ አላህ ኣብቲ ሕሩይ ሰላምን ረድኤትን አውርድ
ኣብ ፍቁርና ሙሓመድ ሰላም ይውረድ
أَنَا مَالِي فِيَّاشْ آشْ عَلَيَّا مِنِّي
نَقْلَقْ مِنْ رِزْقِي لَاشْ وَالْخَالِقْ يَرْزُقْنِي
ኣነ እንታይ ስልጣን ኣሎኒ? ንነብሰይከ እንታይ ክገብር?
ስለምንታይ ብዛዕባ ሲሳይ እጭነቕ? ፈጣሪ እናመገበኒ
أَنَا عَبْدُ رَبٍّ لَهُ قُدْرَةٌ
يَهُونُ بِهَا كُلُّ أَمْرٍ عَسِير
አነ ናይቲ ልዑል ኽእለት ዘለዎ ጐይታ ባርያ እየ
ንኹሉ ጽንኩር ነገር ዘቃልል
فَإِنْ كُنْتُ عَبْدًا ضَعِيفَ الْقُوَّةِ
فَرَبِّي عَلَى كُلِّ شَيْءٍ قَدِير
ድኹም ዓቕሚ ዘለኒ ባርያ እንተኾንኩ እኳ
ጐይታይ ግና ኣብ ልዕሊ ኹሉ ነገር ኽኢላ እዩ
مِنِّي آشْ عَلَيَّ وَنَا عَبْدٌ مَمْلُوكْ
وَالْأَشْيَاءْ مَقْضِيَّا مَا فِي التَّحْقِيقْ شُكُوكْ
ንነብሰይ እንታይ ክገብር? ኣነ ግዙእ ባርያ እየ
ኩሉ ነገር ብውሳነ ኣምላኽ እዩ፡ ኣብዚ ጥርጣረ የለን
الْمَدَد الْمَدَد أَيَا رَسُولَ الله
وَاسْقِينَا بِالْمَدَد أَيَا حَبِيبَ الله
ረድኤት ረድኤት ኦ ልኡኽ አላህ ﷺ
ብረድኤት ኣስትየና ኦ ፍቁር አላህ ﷺ
رَبِّي نَاظِرْ فِيَّا وَنَا نَظَرِي مَتْرُوكْ
فِي الْأَرْحَامْ وَالْأَحْشَا مِنْ نُطْفَةٍ صَوَّرْنِي
ጐይታይ ይጥምተኒ ኣሎ፡ ናተይ ኣረኣእያ ግና ትርጉም የብሉን
ኣብ ማሕጸንን ከርሰን ካብ ሓንቲ ነጠብጣብ ቀረጸኒ
يَقُولُ لِمَا شَاءَ كُنْ فَيَكُونُ وَيُبْدِعُ سُبْحَانَهُ وَيُعِيد
وَيَحْكُمُ فِي خَلْقِهِ مَا يَشَاءُ وَيَفْعَلُ فِي مُلْكِهِ مَا يُرِيد
ንዝደለዮ "ኹን" ይብሎ ይኸውን ድማ፡ ንሱ ይፈጥርን ይመልስን
ኣብ ፍጥረቱ ከም ዝደለዮ ይውስን፡ ኣብ ግዝኣቱ ከም ዝፈተዎ ይገብር