Ti
صَلَاةُ اللّٰه سَلَامُ اللّٰه
عَلَىٰ طٰهٰ رَسُولِ اللّٰه
ጸሎት ኣላህ ሰላም ኣላህ
ኣብ ልዕሊ ጣሃ ልኡኽ ኣላህ
صَلَاةُ اللّٰه سَلَامُ الله
عَلَىٰ يٰسٓ حَبِيبِ الله
ጸሎት ኣላህ ሰላም ኣላህ
ኣብ ልዕሊ ያሲን ፍቁር ኣላህ
تَوَسَّلْنَا بِبِسْمِ الله
وَبِالْهَادِي رَسُولِ الله
ብስም ኣላህ ተማሕጺንና
ብመራሒ ልኡኽ ኣላህ ድማ
وَكُلِّ مُجَاهِدٍ لِلّٰه
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ብኹሎም ምእንቲ ኣላህ ዝተጋደሉ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
إِلَهِي سَلِّمِ الْأُمَّةْ
مِنَ الْآفَاتِ وَالنِّقْمَةْ
ጎይታይ ነዛ ኡመህ ኣድሕና
ካብ ሓደጋታትን መዓትን
وَمِنْ هَمٍّ وَمِنْ غُمَّةْ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ካብ ጭንቀትን ካብ ሓዘንን
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
إِلَهِي نَجِّنَا وَاكْشِفْ
جَمِيعَ أَذِيَّةٍ وَاصْرِفْ
ጎይታይ ኣድሕነና ግለጸልና ድማ
ንኹሉ መከራ ኣርሕቀልና
مَكَائِدَ الْعِدَا وَالْطُفْ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ተንኮል ጸላእቲ ብልኡምነት ሰዓሮ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
إِلَهِي نَفِّسِ الْكُرَبَا
مِنَ الْعَاصِينَ وَالْعَطْبَا
ጎይታይ ንጭንቀት ኣቃልሎ
ካብቶም ዓመጸኛታትን ጠፋእትን
وَكُلِّ بَلِيَّةٍ وَوَبَا
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ካብ ኩሉ ፈተናን ተላባዒ ሕማምን
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
فَكَمْ مِنْ رَحْمَةٍ حَصَلَتْ
وَكَمْ مِنْ ذِلَّةٍ فَصَلَتْ
ክንደይ ሳህሊ ተረኺቡ
ክንደይ ውርደት ድማ ተወጊዱ
وَكَمْ مِنْ نِعْمَةٍ وَصَلَتْ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ክንደይ ጸጋታት ድማ መጺኡ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
وَكَمْ أَغْنَيْتَ ذَا الْعُمْرِ
وَكَمْ أَوْلَيْتَ ذَا الْفَقْرِ
ንኽንደይ ዕድመ ዝደፍኡ ሃብቲ ሂብካ
ንኽንደይ ድኻታት ድማ ረዲእካ
وَكَمْ عَافَيْتَ ذَا الْوِزْرِ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ንኽንደይ ሓጥኣን ድማ ኣሕዊኻ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
لَقَدْ ضَاقَتْ عَلَى الْقَلْبِ
جَمِيعَ الْاَرْضِ مَعَ رَحْبِ
ብሓቂ ኣብ ልብና ጸቢባቶ
ብምልእታ ምድሪ ምስ ስፍሓታ
فَانْجُ مِنَ الْبَلَا الصَّعْبِ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ካብዚ ከቢድ መከራ ድማ ኣድሕነና
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
أَتَيْنَا طَالِبِي الرِّفْقِ
وَجُلِّ الْخَيْرِ وَالسَّعْدِ
ልኡምነት ደሊና መጺእና
ብዙሕ ሰናይን ሓጎስን
فَوَسِّعْ مِنْحَةَ الْأَيْدِي
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ነቲ ዝተውሃበና ውህበት ኣስፍሓልና
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
فَلَا تَرْدُدْ مَعَ الْخَيْبَةْ
بَلِ اجْعَلْنَا عَلَى الطَّيْبَةْ
ባዶ ኢድና ኣይትመልሰና
የግዳስ ኣብ ሰናይ ነገር ግበረና
أَيَا ذَا الْعِزِّ وَالْهَيْبَةْ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ኦ ዋና ልዕልናን ግርማን
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
وَإِنْ تَرْدُدْ فَمَنْ نَأْتِي
بِنَيْلِ جَمِيعِ حَاجَاتِي
ንስኻ እንተነጺግካና ደኣ ናብ መን ክንከይድ
ንኹሉ ድሌታትና ንምርካብ
أَيَا جَالِي الْمُلِمَّاتِ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا الله
ኦ ኣውጻኢ ጸበባ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
إِلَهِي أَغْفِرْ وَأَكْرِمْنَا
بِنَيْلِ مَطَالِبٍ مِنَّا
ጎይታይ ይቕረ በለልና ኣኽብረና ድማ
ጠለባትና ብምቕባል
وَدَفْعِ مَسَاءَةٍ عَنَّا
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا اَللّٰه
ሕማቕ ነገር ድማ ካባና ኣርሕቕ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
إِلَهِي أَنْتَ ذُو لُطْفٍ
وَ ذُو فَضْلٍ وَ ذُو عَطْفٍ
ጎይታይ ንስኻ ዋና ለውሃት ኢኻ
ዋና ጸጋን ርሕራሄን ድማ
وَكَمْ مِنْ كُرْبَةٍ تَنْفِي
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا اَللّٰه
ክንደይ ጭንቀት ደኣ ኣወጊድካ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!
وَصَلِّ عَلَى النَّبِي الْبَرِّ
بِلَا عَدٍّ وَلَا حَصْرٍ
ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ነብይ ሰላም ኣውርድ
ብዘይ ቑጽሪ ብዘይ ደረት
وَآلِ سَادَةٍ غُرٍّ
بِأَهْلِ الْبَدْرِ يَا اَللّٰه
ኣብ ልዕሊ እቶም ክቡራት ስድራቤቱ ድማ
ብሰቦት በድር ኦ ኣላህ!