قِفْ وَاسْتَمِعْنِي يَا نَدِيمْ
ደው በል ስምዓኒ ኦ መሓዛይ
Ti
قِفْ وَاسْتَمِعْنِي يَا نَدِيمْ
قَوْلًا بِمَعْنَاهُ أَهِيمْ
ጠጠው በል እሞ ስምዓኒ ኦ ብጻየ
ብትርጉሙ ዝምሰጥ ቃል
حَمَلَتْ بِأَحْمَدَ أُمُّهُ
وَالْسَّعْدُ كَانَ لَهَا خَدِيمْ
ኣዲኡ ንኣሕመድ ጸኒሳቶ
ዕድል ድማ ንዓኣ ኣገልጋሊት ነይራ
حَمَلَتْ بِأَزْكَى الْأَنْبِيَاءْ
نَسَبًا وَهَنَّاهَا الْكَرِيمْ
ካብ ነቢያት ንዝጸረየ ጸኒሳ
ብልዑል ዓሌቱ እቲ ልዑስ ኣበሲርዋ
نَالَتْ بِهِ كُلَّ الْمُنَى
وَالْمَجْدِ وَالْعِزِّ الْمُقِيمْ
ብእኡ ኩሉ ትምኒታ ረኺባ
ልዕልናን ነባሪ ዝኾነ ክብርን
يَا فَوْزَهَا بِالْمُصْطَفَى
حَازَتْ بِهِ الْشَّرَفَ الْعَظِيمْ
ከመይ ዝበለ ዓወት እዩ ብሙስጠፋ
ብእኡ ዓብዪ ኽብሪ ጨቢጣ
بُشْرَاكِ آمِنَةَ الْرِّضَى
بِمُحَمَّدٍ عَيْنِ الْنَّعِيمْ
ብስራት ንዓኺ ኦ ኣሚና እታ ሕርይቲ
ብመሓመድ እቲ ምንጪ ጸጋ