مَعَانِي قَدْ بَدَتْ عِنْدِي غَرِيبَهْ
ድንቂ ትርጉማት ተገሊጾምለይ
Ti
Ti
مَعَانِي قَدْ بَدَتْ عِنْدِي غَرِيبَهْ
وَمَا تُفْضِي إِلِيْهْ بَعْدُ أَغْرَبْ
ንኣይ ዝተገልጹለይ ትርጉማት ፍሉያት እዮም
ናብቲ ዘብጽሑዎ ድማ ካብኡ ዝበለጸ ግሩም እዩ
مِنَحْ مِنْ فَضْلِ مَوْلَانَا عَجِيبَهْ
وَمَاذَا فِي عَطَاهُ لَيْسَ أَعْجَبْ
ካብ ጸጋ ጎይታና ዝተዋህቡ ውህበታት መስተንክር እዮም
ኣብቲ ንሱ ዝህቦ ዝያዳ ዘየገርም ደኣ እንታይ ኣሎ
وَعِيدُ الْصَّبِ أَنْ يَلْقَى حَبِيبَهْ
وَسُبْحَانَ الَّذِي قَرَّبْ وَحَبَّبْ
መብጽዓ እቲ ፍቁር ምስ ፍቁሩ ምርኻብ እዩ
ነቲ ዘቀራረበን ፍቕሪ ዘሕደረን ጐይታ ምስጋና ይኹኖ
مَعِي أَقْوَامْ فِي أَعْلَى كَتِيبَهْ
لَهُمْ أَسْرَارْ لَا تُحْصَى وَتُكْتَبْ
ምሳይ ኣብ ልዑል ደረጃ ዝርከቡ ሰባት ኣለዉ
ዘይቑጸሩን ዘይጽሓፉን ምስጢራት ዘለዎም
مَوَاهِبْ عَالِيَةْ مَا هِيْ كَسِيبَهْ
وَإِحْسَانُ الْمُهَيْمِنْ لَيْسَ يُحْسَبْ
እዚኣቶም ብጻዕሪ ዘይኮነስ ልዑላት ውህበታት እዮም
ናይቲ ሓላዊ ሕያውነት ድማ መወዳእታ የብሉን
وَمَنْ لُهْ سَابِقَهْ يُدْرِكْ نَصِيبَهْ
مُوَفَّى دُونَ أَنْ يَشْقَى وَيَتْعَبْ
እቲ ቀደም ዕድል ጸጋ ዝነበሮ ግዲኡ ክረክብ እዩ
ብዘይ ስቓይን ጻዕርን ምሉእ ብምሉእ ይወሃቦ
وَنَفْحَةُ بَاسِطِ الْنَّعْمَى قَرِيبَهْ
تَعَرَّضْ يَا فَتَى مِنْهَا تَقَرَّبْ
እቲ ናይቲ ሰጣሒ ጸጋታት ጥዑም ንፋስ ቀረባ እዩ
ኦ መንእሰይ! ናብኡ ተቃረብ እሞ ተቐበሎ
عَسَى الْمَكْلُومْ أَنْ يَلْقَى طَبِيبَهْ
فَيُضْحِي الْعِيْشْ لُهْ أَطْيَبْ وَأَطْيَبْ
ምናልባት እቲ ዝቖሰለ ሓኪሙ ክረክብ ይኸውን
ህይወቱ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ጥዑምን ንጹህን ክትከውን
وَصَلَّى اللهُ مَا أَفْهَامٌ نَجِيبَهْ
وَعَتْ قَوْلاً بِمَاءِ الْعَيْنِ يُكْتَبْ
ልዑላት ኣእምሮታት ክሳብ ዘለዉ ረብቢ ሰላሙ የውርደሎም
ብንብዓት ዓይኒ ክጽሓፉ ዝግብኦም ቃላት ክሳብ ዝርድኡ
عَلَى خَيْرِ الْوَرَى الْهَادِي حَبِيبِهْ
وَآلِهْ وَالَّذِي لِلْطُّهْرِ يَصْحَبْ
ኣብቲ ዝበለጸ ፍጡር፡ መራሕን ፍቁሩን ይኹን
ኣብ ቤተሰቡን ነቲ ንጽህና ዝተኸተሉን ሰዓብቱን