ْيَاجَمَالُه
Oh, How Beautiful He Is!
Ti
آه يَا جَمَالُه يَا جَمَالُهْ
سِيدْنَا النَّبِى يَا جَمَالُهْ
ኣቤት ጽባቐኡ! ኣቤት ጽባቐኡ!
ኣቤት ጽባቐኡ! ኣቤት ጽባቐኡ!
سِيدْنَا النَّبِى يَا جَمَالُهْ
ጎይታና ነብዪ፡ ኣቤት ጽባቐኡ!
كَحِيلُ الطَّرْفِ حَبِيبِي لَوْ تَرَاهُ
ضَحُوكُ السِّنِّ لِلْعَاشِقِ رَمَاهُ
ፍቁረይ ዓይኑ ኩሕሊ ዝተለኽየ እዩ፡ እንተ ትርእይዎ!
ብፍሽሑው ገጹ ንፍቁራት ኣብ ፍቕሪ የውድቖም
بَهِيُّ الطَّلْعَةْ فَالْمَوْلَى اصْطَفَاهُ
وَكُلُّ الْخَلْقِ أَنَارَ بِنُورِ طه
ግርማ ዝመልኦ ገጽ እዩ፡ ጎይታ ባዕሉ መሪጽዎ
ኵሉ ፍጥረት ድማ ብብርሃን ጣሃ በሪሁ
وَلَا ظِلُّ لَهُ بَلْ كَانَ نُوْرَا
تَنَالَ الشَّمْسُ مِنْهُ هُوَ الْبُدُوْرَ
ጽላሎት ኣይነበሮን፤ የግዳስ ንባዕሉ ብርሃን ነበረ
ጸሓይ ካብኡ ብርሃን ትረክብ፡ ንሱ ድማ ምልእቲ ወርሒ እዩ
وَلَمْ يَكُنِ الْهُدَى لَوْلَاهُ ظُهُوْرَا
وَ كُلُّ الْكَوْنِ أَنَارَ بِنُوْرِ طَــــــهَ
ንሱ እንተዘይህሉ መምርሒ ኣይምተገልጸን ነይሩ
ኵሉ ፍጥረት ድማ ብብርሃን ጣሃ በሪሁ
وَكَفُّ الْمُصْطَفَى كَالْوَرْدِ نَادِى
وَعِطْرُهَا يَبْقَى إِذَا مَسَّتْ أَيَادِى
መዳፍእ እቲ ሕሩይ ከም ርጥብቲ ዕምባባ ሮዛ እያ
ጨንኣ ድማ ኣብቲ ዝተንከፈቶ ኣእዳው ይተርፍ
وَعَمَّ نَوَالُهَا كُلَّ الْعِبَادِ
حَبِيبُ اللهِ يَا خَيْرَ الْبَرَايَا
ጸጋኡ ንኹሎም ባሮት በጺሑ እዩ
ኦ ፍቁር ኣላህ፡ ኦ ብሉጽ ካብ ኵሉ ፍጥረት!
وَرِيقُ الْمُصْطَفَى يَشْفِي الْعَلِيلَ
وَعَيْنُ قَتَادَةَ خُذْهَا دَلِيلًا
ምራቕ እቲ ሕሩይ ንሕሙማት የሕውዮም
ንዓይኒ ቀታዳ ከም መርትዖ ውሰድዎ
تَفَلَ فِي الْبِئْرِ أَضْحَتْ سَلْسَبِيلًا
وَصَارَ لِصَحْبِهِ شَهْدًا مُدَامًا
ኣብቲ ዔላ ምስ ተፍኣሉ ውሒዝ ፈልፋሊ ኾይኑ
ንብጾቱ ድማ ከም መዓር ጥዑምን ቀጻልን ኮይኑሎም