بَادِرْ لَقَدْ فَاتَتْكَ الْغَنَائِمْ
ቀልጥፍ! እቲ ምሩኽ ሓሊፉካ እዩ።
Ti
بَادِرْ لَقَدْ فَاتَتْكَ الْغَنَائِمْ
تَقَاسَمُوهَا وَأَنْتَ نَائِمْ
ቀልጥፍ! እቲ ምርኮታት ብርግጽ ሓሊፉካ እዩ
ንስኻ ደቂስካ ከለኻ ተማቒሎሞ
وَلَوْ رَأَيْتَ الَّذِينَ فَازُوا
نُحْتَ كَمَا نَاحَتِ الْحَمَائِمْ
ነቶም ዝተዓወቱ እንተ ትርእዮም
ከምቲ ርግቢት ዝበኸያ ምበኸኻ
إِنْ رُمْتَ أَلَّا تَكُونَ نَادِمْ
قُمْ لِحَبِيبِ الْقُلُوبِ لَازِمْ
ጣዕሳ ከይስምዓካ እንተ ደሊኻ
ተንስእ እሞ ነቲ ፍቁር ልብታት ተኸተሎ
وَلَازِمِ الْبَابَ يَا مُعْنَّى
إِنَّ الْسَّعِيدَ الَّذِي يُلَازِمْ
ነቲ ማዕጾ ጽናዕ ኣታ ዝደኸምካ ነፍሲ
እቲ ሓቀኛ ዕድለኛ እቲ ዝጸንዐ እዩ
مَنْ لَازِمَ الْبَابَ نَالَ قُرْبا
وَفَازَ بِالْأَجْرِ وَالْغَنَائِمْ
ኣብቲ ማዕጾ ዝጸንዐ ቅረባ ረኺቡ
ብዓስቢን ምርኮን ድማ ተዓዊቱ
وَلَا تَنَمْ سَاعَةَ الْتَّجَلِّي
فَلَيْسَ يَحْظَى بِالْأَجْرِ نَائِمْ
ኣብ ግዜ መለኮታዊ ግልጸት ኣይትደቅስ
ደቃሲሲ ዓስቢ ኣይረክብን እዩ
قَدْ جَرَحَتْ قَلْبِيَ الْخَطَايَا
وَلَسْتُ أَلْقَى لَهَا مَرَاهِمْ
ሓጢኣት ንልበይ ኣዝዩ ኣቑሲልዎ እዩ
ንዕኡ ዝኸውን ፈውሲ ድማ ኣይረኸብኩን
سِوَى الْرِّضَا مِنْكَ يَا إِلَهِي
يَا وَاسِعَ الْجُودِ وَالْمَكَارِمْ
ብዘይካ ናትካ ዕግበት ኦ ጎይታይ
ኣታ ሰፊሕ ልግስን ሕያዋይን
وَقَدْ تَوَسَّلْنَا يَا إِلَهِي
بِسَيِّدِ الْعَرَبِ وَالْأَعَاجِمْ
ኦ ጎይታይ ብኡ ተማሂጽናካ
በቲ ጎይታ ዓረብን ዓጀምን
نَبِيِّنَا الْمُصْطَفَى الْتِّهَامِي
مَنْ جَاءَ لِلْأَنْبِيَاءِ خَاتَمْ
ነብይና እቲ ሕሩይ ትሃማዊ
እቲ መዛዘሚ ናይ ኩሎም ነብያት ዝኾነ