لِغَيْرِ جَمَالِكُمْ نَظَرِي حَرَامُ
ብዘይካ ጽባቐኹም ምጥማተይ ሕራም እዩ።
Ti
لِغَيْرِ جَمَالِكُمْ نَظَرِي حَرَامُ
وَغَيْرُ كَلَامُكُمْ عِنْدِي كِلَامُ
ንዘይኰነ ውበትኩም ምርኣይ ንዓይ ክልኩል እዩ
ካብ ቃላትኩም ወጻኢ ዘሎ ንዓይ ቃላት ኣይኰነን
وَعُمْرُ الْنَّسْرِ مِنْكُمْ بَعْضُ يَوْمٍ
وَسَاعَةُ غَيْرِكُمْ عَامٌ فَعَامُ
ምስኣኩም ዕድመ ንስሪ ከም ውሱን ክፋል መዓልቲ እዩ
ምስ ካልኦት ዝሕለፍ ሓንቲ ሰዓት ግና ዓመታት እዩ
وَصَبْرِي عَنْكُمُ شَيْءٌ مُحَالٌ
وَمَا لِي قَاتِلٌ إِلَّا الْفِطَامُ
ካባኹም ርሒቐ ዓቕሊ ምግባር ዘይከኣል እዩ
ቀታሊየይ ድማ እቲ ካባኹም ምፍላየይ ጥራይ እዩ
إِذَا عَايَنْتُكُمْ زَالَتْ هُمُومِيْ
وَإِنْ غِبْتُمْ دَنَا مِنِّيْ الْحِمَامُ
ምስ ዝርእየኩም ኵሉ ጭንቀተይ ይርሕቕ
እንተ ተፈልየኩም ግና ሞት ይቐርበኒ
أَوَدُّ بِأَنْ أَكُونَ لَكُمْ جَلِيسًا
وَتُنْصَبَ لِي بِرَبْعِكُمُ خِيَامُ
ናይ ቀረባ ብጻይኩም ክኸውን እምነ
ኣብቲ ግዝኣትኩም ድማ ድንኳነይ ክተከል
فَدَاوُوا بِالْوِصَالِ مَرِيضَ هَجْرٍ
يَهِيمُ بِكُمْ إِذَا سَجَعَ الْحَمَامُ
ነቲ ብምፍልላይ ዝሓመመ ብምርክካብ ኣሕውይዎ
እርጋብ ክዝምሩ ከለዉ ብፍቕርኹም ዝናፈቕ እዩ
حَدِيثُ غَرَامِهِ فِيكُمْ قَدِيمٌ
وَمَلْبَسُهُ مِنَ الْحُبِّ الْسِّقَامُ
ናይ ፍቕሩ ዛንታ ኣብኣኩም ጥንታዊ እዩ
ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ሕማም ድማ ልብሱ እዩ
فَأَنْتُمْ فِي الْأُصُولِ أَجَلُّ أَصْلٍ
إِذَا شِئْتُمْ تَحَصَّلَ لِي الْمَرَامُ
ንስኹም ኣብ ሱር-መሰረት እቲ ዝኸበረ ሱር ኢኹም
ንስኹም እንተ ደሊኹም ድሌተይ ይፍጸም እዩ
بِكُمْ صَعْبُ الْأُمُورِ يَعُودُ سَهْلًا
فَبِالْإِحْسَانِ جُودُوا يَا كِرَامُ
ብኣኹም ከቢድ ነገራት ቀሊል ይኸውን
ኦ ልኡሳን ብሕያውነትኩም ለግሱልና
وَلَيْسَ سِوَاكُمُ لِلْجُودِ أَهْلًا
فَكَيْفَ نَزِيلُ سُوحِكُمُ يُضَامُ
ብዘይካኹም ንልግስና ዝበቅዕ የለን
ኣብ ኣደባባይኩም ዝዓረፈ ጋሻኸ ከመይ ኢሉ ይበደል